Facebook Twitter LinkedIn Google+ Pinterest Addthis

ኣብዚ ዝተፋላለየ ናይ ደረፍቲ ግጥምታት ክቐርብ እዩ: ዝኾነ ናይ ደረፍቲ ግጥምታት ዝተደረፈ እንተለኩም ክትሰዱ ትኽእሉ ኣብዚ ከነስፍሮ እሞ ዝኾነ ሰብ ብቐሊል መንገዲ ረኺቡ ክመሃረሎም::

                              

Wedi Tikabo

ማሕላና
( ኣብ መበል 21 ዓመት ነጻነት ብድምጻዊ ዳዊት ተኽለሰንበት [ሽላን] ዝቐረበት ደርፊ
ግጥሚ ሰለሙን ድራር )
ዓዲ ማሕላ፣ ማሕላ እምነት
ማሕላ እምነት አብ ፈተነ ብረት፣
ማሕላና ማሕላና “ስጋ ስዉኣት” ‘ዩ
ዘይበሊ ኪዳን አብ ሱር-ደምና ኣትዩ፣
ሰርቢ ሞት ክንሰርብ አብ መግሃር ሃልሃልታ
መስርዕ ንቀዳደም ንመስዋእቲ ተርታ፣
ርእሲ ኹሉ ጸጋ፣ ርእሲ ኹሉ ሃብቲ
ልዕሊ ኹሉ ኣጽዋር፣ ልዕሊ ኹሉ ሓይሊ፣
መኣስ ወኒንናዮ ብዋዛ ፈዛዛ
ከፊልናሉ ‘ንዲና ተጸሚምና ቓንዛ፣
ክብርታት ናይ ገድሊ እቲ ረቂቕ ሓይሊ
አብ ሓደ ዝጠምር ንመስጊድ ምስ ደብሪ፣
ዓደይ ዓደይ ወትሩ ስመርለይ
ይንበር ደኣ ይንበር…
ክብርታትና ‘ንድዩ ምስጢር ዓወትና
ሎሚ ንዘልኣለም
ንሱ‘ዩ ‘ቲ ምስጢር ዓዲ ውሑድ ስንቂ
ከባቢ ክሕቆን ረጊእኪ ትኸዲ፣
ሰብ ጥውዮ ነጸላ፣ ‘ስናይ ሕድሪ ሽዳ
ሻዓ ፈሊጥናዮ ‘ዛ ዓለም መንገዳ፣
ፈጢርና መንገዲ ክንፈጥር ዓለምና
ነብስኻ ምርሳዕ ምእንቲ ዕላማ፣
ክብርታትና
ዝጋረቶ ኣባይ ሓጺነ መጺኑ
ሽሾ ሰራዊቱ መሬት ዝኸደኑ፣
ተሰትዮም ክተርፉ ከም ‘ቲ ማይ ኣብ ሑጻ
ሰማይ ክንብትኖም ከም ‘ቲ ሓሰር ዱርቃ፣
ስንቅና ዕጥቅና ክብርታትና መርሖ
ንውሑድ ቁጽርና ዕጽፍታት ዘርብሖ፣
ውሑስ ‘ዩ ስንቅና
ዓደይ ወለላይ ውሑስ ‘ዩ ስንቅኺ
ዓደይ ወለላይ ዓደይ…
ዓደይ ዘለላይ ውሑስ ‘ዩ ዕጥቅኺ
ዓደይ ዘለላይ ዓደይ…

ካብ ኣለናልኪ

ናብ ቀንዲ ገጽ ወብሳይት ከተምርሕ ኣብዚ ጽቐጥ

ኣባል ወብሳይት(መምበር)ምኻን ኣገዳሲ’ዩ: ሓድሽ ትሕዝቶ ኣብ ዝመጸ እዋን ቀጥታ ክንሰደልኩም ንኽእል: ዝኾ...

Views: 1111

Comment

You need to be a member of eritrean culture to add comments!

Join eritrean culture

Comment by Admin on December 9, 2012 at 2:37pm

ሰላም እዚ ሃወይ: የቐንየልና ነቲ ሞራልካ: ከሙኡ ውን ክንቅጽሎ ኢና ብፍቓድ ፈጣሪ ስጋብ ዝብሎ: ከሙኡ ውን ኣብ ላዕሊ ኣለካ contact us ቡኡ ክትረኽበና ትኽእል:ተዘይኮነ ኻኣ እዚ ኢመይልና ericulture@hotmail.com

Comment by mareg abrha on December 9, 2012 at 12:30pm

ny  bahaki  bela kef  zalwo  medeb  mara  tahgesa   kitkexlwo  ka  yelabo  kolo  medebkom  yekatatelo  eya   .hante  hato  altene  zakona  xahofat  yekono  getmetat  byanay  adrees  ena  kinlkalkom  nakial     habereta   aynexerlayen  amo   sedadolna  thankes  hawekom  mareg  eya  kab  sudan

Adblock Plus

Follow Us

 

RSS

Adver

© 2017   Created by Admin.   Powered by

Badges  |  Report an Issue  |  Terms of Service